09/05/2026
#ሕክምና ኣብ ዘመነ ብኽለት ሓበሬታ(information pollution)
ዶክተር ተወልደ ብርሃነ
#ሎሚ ኣብ ስራሕ እናሃለኹ ሓንቲ ተገልጋሊት ናይ ሹካር ተሓካሚት እየ ኣሕልፋኒ እናበለት ምስ ቅድሚኣ ዘለዋ ክትጨቃጨቅ ይሰምዓ እሞ ኣነ ድማ ንሲስተር ፀዊዐ ናሽኳር ተሓካሚት እንተኾይናስ ብዘይታራኣ ትእቶ ድሓን ይብላ። እንተረኣኹዋ ግን ቅድሚ ወርሒ ዝረኣኹዋ ነብሰ-ፁር እያ ብቆፀርኣ መሰረት እያ ድማ መፅያ።
ኣልትራሳዉንድ እናረኣኹዋ ከለኹ መዓዝ ደኣ ሽኳር ኣለኪ ተባሂልኪ ይብላ ናይ ብሓቂ መሲሉኒ እናሓተትኹዋ።
ንሳ ድማ ዋይ ዶክተረይ ባዕልኻ ኢኻ እኮ መድሓኒት ኣዚዝካለይ ትብለኒ።
ዋይ ኣብ ክንደይ ወርሒ ድኣ ስኳር ኣለኪ ኢለኪ እሞ እነበልኩ ከስታዉስ ይሓስብ ግን ክመፅኣለይ ኣይከኣለን።
ካብኡ ሓሲበ ምስ ወዳእኩ ኣነ ዝኣዘዝኩልኪ መድሓኒት እማ ኣስፕሪንን(Aspirin) ን ቫይታሚንን(Prenatal)ን እዩ እኮ ይብላ።
ንሳ: እህእ, እወ እታ ሐዚ ዝበልካያ እኮ ናይ ሽኳር መድሓኒት እያ ትብለኒ።
ኣነ:መኒኣ??
ንሳ: እዛ ኣስፕሪን ዝበልካያ ትብለኒ
ኣነ: መን ከምኡ ኢሉኪ
ንሳ: ኣብ ቲክቶክ ሪአዮ ንስኻ እማ ከይጭነቅ ግዲ ኢልካስ ዘይነገርካኒ ትብለኒ
ኣነ: ብኣግራሞት ካብኡኸ ታይ ገይርኪ ድኣ??
ንሳ:ምስ ረኣኹዎ እማ ደንገፀ ብኽይ ኣቢለ ንሰብኣየይ ንቤተሰበይ ሽኳር እኒሄኒ እዩ ኢለዮም
ኣነ: ታይ ድኣ ኢሎም?
ንሳ: ኩሎም ደንጊፆም ብጣዕሚ ሓዚኖም ኢላትኒ
ኣነ:እህምም🤔
ኣነ:እሞ ወርሒ ሙሉእ ዳኣ ዙሽኳርኪ መን ይከታተለኪ ነይሩ
ንሳ: ኣብ ጥቃና ኣሎ ፋርማሲ ኩሉ ግዜ ንጎሆን ምሸትን ይልካዕ ነይረ ፅቡቅ እዩ እኒሆ እዩ ዝብለኒ ነይሩ ኢላትኒ።
#እሞሲ ሕክምና ብጣዕሚ ረቂቅ ሳይንስ እንድዩ እዩ ኩሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝረኸብካዮ ሓበሬታ ልክዕ ማለት ኣይኮነን።
ብዝዕባ ጥዕናና ንኽተሎም ሰባትን ሚድያታትን መንነቶምን ሞያዊ ድሕረ ባይቶኦምን ምፍላጥ ናይ ግድን ይገብሮ።
ብፍላይ ተኸተልቲ ንምፍራይ ቀልቢ ሰማዕቲ ዝስሕቡ ርእስታት ምጥቃም፣ ከምኡ እዉን ብዉሱን ሓበሬታ ወይ ድማ ብዘይምንም ሞያዊ ፍልጠት ሓበሬታታት ምዉዛዕ ዓርሱ ዝኸኣለ business ኣብ ዝኾነሉ ዘመን ኣብ ትኽተሎም ኮነ ሓበሬታ ትወስደሎም ዉልቀ ሰባትን/ሚድያታትን ፍሉይ ጥንቃቀ ምግባር የድሊ ይመስለኒ።
ኣብ ሕክምና ድማ ንእሽተይ ጌጋ ዓብዩይ ሂወት ስለ ተኽፍል ዝረኸብካዮ ኩሉ ከም ካልእ ተራ ሓበሬታ ኣቅልል ኣቢልካ ኣይወሓጥን።
ዋላ እቲ ዓለም ትምከሐሉ ዘላ ኤኣይ(AI) እንተኾነ ኣብ ጉዳይ ሕክምና ክትኮን ከላ ዝተዛረበ ተዛሪቡ ንዝበለፀ ሓበሬታ ዶክተርካ ኣማኽር(Consult your Doctor) ኢሉ እዩ ዝዓፅዋ ዛጭዋታ። ምኽንያቱ ትኽክለኛ ሕክምናን ሕክምናዊ ሓበሬታን ዝርከብ ተሓካምን ዶክተርን ኣብ ሓደ ጠረጤዛ ኮፍ ክብሉ ኸለዉ እዩ።
ብዝኾነ ኣስፕሪን(low dose Aspirin) ናይ ሽኳር መድሓኒት ኣይኮነን።
ኣብ ቀፃሊ Low dose Aspirin ንኸመይ ዝበላ ኣዴታት ከም ዝወሃብን እዞም ሰብ ቲክቶክ ድማ ንምንታይ ናይ ሽኳር መድሓኒት ኢሎም ከም ዝተረድኡዎ ክምለሶ እየ።