Bana Specialty Eye Clinic/ፍሉይ ሕክምና ዓይኒ ባና

Bana Specialty Eye Clinic/ፍሉይ ሕክምና ዓይኒ ባና Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Bana Specialty Eye Clinic/ፍሉይ ሕክምና ዓይኒ ባና, Medical and health, ሽረ እንዳስላሰ፡ ካብ ሓየሎም ኣደባባይ ናብ ዞባ ምምሕዳር ኣብ ዝወስድ ኣስፋልት፡ፊት ንፊት ቀይሕ መስቀል ፋርማሲ, Shire Inda Silase.

ፍሉይ ሕክምና ዓይኒ ባና:
√ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከብ ኮይኑ ኣብ ከተማ ሽረን ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብን ከባቢኡን ብሕታዊ ስፔሻሊቲ ሕክምና ዓይኒ እዩ
√ ምሉእ ምርመራን ሕክምናን ዓይኒ ፣ሕክምና ሃንደበታዊ ሕማማት ዓይኒ፥ መጥባሕቲ ቀለልትን ከበድትን ሕማማት ዓይኒ ይህብ
√ ብ ክልተ ውህሉል ተሞክሮን ብሉፅ ሞያዊ ብቕዓትን ዝወነኑ ስፔሻሊስት ሓካይም ዓይኒ ግልጋሎት ይህብ
√ ግልጋሎት መነፀር ይህብ

16/09/2026

Shout out to my newest followers! Excited to have you onboard! Desta Kahsay Bahre, Abraham Teklehaymanot, Tekleweyni Tadesse, Merhawi Tsehaye, Hela Tesfay, ፈርክስ ኪሮስ, ኣጋፒ ኣጋፒ, Mulalem Abrahly, Wedi Bashay Awialom, Ngsti Aregawi, Slas Daste, Baraki Guesh Joke, Wedi Tekola Addisalem Berhe, ፍፁም አድሀና, Asmie Boom, ያሬድ ዜማ

🌟እንኳዕ ካብ 2018 ዓ/ም (ዘመነ ማርቆስ) ናብ 2019 ዓ/ም (ዘመነ ሉቃስ) ብሰላም ብጥዕና ኣብፀሓኩም!🌟🌟ርሑስ ሓዱሽ ዓመት🌟ፍሉይ ሕክምና ዓይኒ ባናባና መንገዲ ብርሃን ዓይኖም!
10/09/2026

🌟እንኳዕ ካብ 2018 ዓ/ም (ዘመነ ማርቆስ) ናብ
2019 ዓ/ም (ዘመነ ሉቃስ) ብሰላም ብጥዕና ኣብፀሓኩም!🌟

🌟ርሑስ ሓዱሽ ዓመት🌟

ፍሉይ ሕክምና ዓይኒ ባና

ባና መንገዲ ብርሃን ዓይኖም!

እንኳዕ ናብ ብዓል ኣሸንዳ 2018 ዓ/ም ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብፀሐና!ርሑስ ብዓል ኣሸንዳ!! ​ባና መንገዲ ብርሃን ዓይኖም!
21/08/2026

እንኳዕ ናብ ብዓል ኣሸንዳ 2018 ዓ/ም ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብፀሐና!

ርሑስ ብዓል ኣሸንዳ!!



​ባና መንገዲ ብርሃን ዓይኖም!

   (Squint Surgery)   – ዓይኒ ካብ ዝሓውለለ(ዝተዛብዐ) ኣንፈት ናብ ዝተስተኻኸለ ኣንፈት ክምለስ ይሕግዝ  (Double vision) ይቕንስ – ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ሰባት ዘጋጥም...
15/08/2026

(Squint Surgery)

– ዓይኒ ካብ ዝሓውለለ(ዝተዛብዐ) ኣንፈት ናብ ዝተስተኻኸለ ኣንፈት ክምለስ ይሕግዝ
(Double vision) ይቕንስ – ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ሰባት ዘጋጥም
(Binocular vision) ብምምሕያሽ_ክልቲኡ ዓይኒ ብሓባር ንኽሰርሕ ዕድል ይፈጥር እዙይ ድማ
ኣብ ህፃውንቲ ዘጋጥም ናይ ምርኣይ ስንፈት (Ambylopia) ይቕንስ

– ዝተዛበዐ ኣቀማምጣ ዓይኒ ምስ ተስተኻኸለ ማሕበራዊን ስነ-ልቦናዊን ፅዕንቶ ይቅንስ
– ምስ ሰባት ምዝርራብ፣ ስራሕን ዕለታዊ ንጥፈታትን ብዝሓሸ ኩነታት ንምክያድ ይሕግዝ

11/08/2026
 ኮንጁንክቲቫይቲስ (Conjunctivitis) ነቲ ንደጋዊ ክፍሊ ዓይኒን ንውሽጣዊ ክፍሊ ቆብዒ ዓይኒን ዝሸፍን ረቒቕን ግልፅን ሽፋን  ምቑጣዕ እዩ። እዚ ምስ ዝፍጠር እቲ ፃዕዳ ክፍሊ ዓይኒ ...
31/07/2026



ኮንጁንክቲቫይቲስ (Conjunctivitis) ነቲ ንደጋዊ ክፍሊ ዓይኒን ንውሽጣዊ ክፍሊ ቆብዒ ዓይኒን ዝሸፍን ረቒቕን ግልፅን ሽፋን ምቑጣዕ እዩ። እዚ ምስ ዝፍጠር እቲ ፃዕዳ ክፍሊ ዓይኒ ቀይሕ ወይ ሮዝ ሕብሪ ይሕዝ።


1. ቫይረስ
እቲ ዝበዝሐ መልዕሊ እዩ
ከም ሰዓል ብቐሊሉ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይምሓላለፍ።
2. ባክቴርያ
እውን ብቐሊሉ ዝምሓላለፍ እዩ
ብዙሕ ግዜ ሓፊስ ፈሳሲ ካብ ዓይኒ ይወፅእ
3. ኣለርጂ
ብዕንባባ፣ ሓመድ፣ ወይ ጨጉሪ እንስሳታት ክስዕብ ይኽእል።
4. ኬሚካላትን ካልኦትን
ከም ሳሙና፣ ክሎሪን፣ ትኪ ወይ ኮስሞቲክስ ናብ ዓይኒ ምእታው ምቑጣዕ የስዕብ

#ምልክታት
-ዓይኒ ምቕያሕ
-ቢጫ፣ ሓምላይ ወይ ፃዕዳ ፈሳሲ ካብ ዓይኒ ምውፃእ
-ምሕካኽ፣ ምቅፃል ወይ ምንዳድ ስምዒት
-ኣብ ዓይኒ ሓሸዋ ዘሎ ዝመስል ስምዒት
-ንግሆ ቆቢዕ ዓይኒ ብፈሳሲ ምጥባቕ
-ብርሃን ምፅላእ ወይ ምርኣይ ምድብዛዝ


1)ቫይረስ እንተኮይኑ
ብዙሕ ግዜ ባዕሉ ይሓዊ
ቅዝቅዝ ዝበለ ማይ ኮምፕረስ ምግባር
ኣርተፊሻል ንብዓት ምጥቃም
2)ባክቴርያ እንተኮይኑ
ብሓኪም ዝእዘዝ ኣንቲባዮቲክ ጠብታ ወይ ቅብኢ
3)ኣለርጂ እንተኮይኑ
ፀረ-ኣለርጂ (Antihistamine) ጠብታ
ፀረ-ቁጠዐ(Antinflammatory) ጠብታ
4)ኬሚካል እንተኮይኑ
ዓይኒ ብብዙሕ ፁረይ ማይ ብቕልጡፍ ምሕፃብ
ሽዑ ንሹዑ ናብ ትካል ሕክምና ቀልጢፍካ ምካድ


-ኣእዳው ብሳሙናን ማይን ብተደጋጋሚ ምሕፃብ
-ዓይኒ ብዘይተሓፀበ ኢድ ዘይምትንካፍ
-ፎጣ፣ መመላኽዒ ዓይኒ፣ ወይ ጠብታ ዓይኒ ምስ ካልኦት ዘይምክፋል
-ኣብ ሓመድ ወይ ኬሚካል ዘለዎ ቦታ መከላኸሊ መነፀር (Goggles) ምጥቃም



እዚ ምልክታት እንተተራእዩ፣ ብቕልጡፍ ናብ ሓኪም ይኺዱ

#ከቢድ ቃንዛ ዓይኒ
#ምርኣይ ምጥፋእ ወይ ምድብዛዝ
#ንብርሃን ከቢድ ስምዒት
#ምልክታት ኣብ 2–3 መዓልቲ እንድሕር ዘይተመሓይሹ

Address

ሽረ እንዳስላሰ፡ ካብ ሓየሎም ኣደባባይ ናብ ዞባ ምምሕዳር ኣብ ዝወስድ ኣስፋልት፡ፊት ንፊት ቀይሕ መስቀል ፋርማሲ
Shire Inda Silase

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Bana Specialty Eye Clinic/ፍሉይ ሕክምና ዓይኒ ባና posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share