It's just for Funny

It's just for Funny ስሓቕ ዕድመ ይውስኽ ኢዩ እሞ፤ ዋላ እንተዘይሰሓቕኩም ፍሽኽ ?

ኣይበዝሐንዶ...!ሓደ ፊልሞን ድዩ ሄርሞን ዝተባህለ ዩቲበር፡ ንብዙሕ ዓመታት፡ ንፊልምታት ሃገርና ከዕኑ፡ ክደቁስ፡ ክርምስ፡ ከብርስ ሰሪሑን ይሰርሕ ኣሎን።ፊልሞን፡ ንስነ-ጥበብ ሃገርና ጥራይ...
30/07/2026

ኣይበዝሐንዶ...!

ሓደ ፊልሞን ድዩ ሄርሞን ዝተባህለ ዩቲበር፡ ንብዙሕ ዓመታት፡ ንፊልምታት ሃገርና ከዕኑ፡ ክደቁስ፡ ክርምስ፡ ከብርስ ሰሪሑን ይሰርሕ ኣሎን።

ፊልሞን፡ ንስነ-ጥበብ ሃገርና ጥራይ ዘይኮነ፡ እንኮላይ ንስነ-ጥበባውያንና'ዩ፣ ከም ድላዮም ከይጽሕፉ ብርዖም ኣሕዲጉ፡ ኣእዳዎም፡ ሞራሎም ሰይሩ፡ ፈቐዶ ሸላታት ከም ዝሰፍሩ ገይርዎም። ዝተረፉ ዕድለኛታት ድማ ካብታ ዘፍቕርዋ ሃገሮም ኤርትራ ወጺኦም፣ ስደት ከም ዝሰፍሩ ገይሩ።

ንኣብነት ከም ስነ-ጥበባዊ ፍስሃ ዮሃንስ (ጆሽዋ) ንስነ-ጥበብ ሃገርናን ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝለፋዓሉን ዝደኸመሉን የለን።

ጆሽዋ ኣብ ኣስመራ ከም ፈዳይን ኮይኑ'ዩ ዝሰርሕ ነይሩ።
ብሰንኪ ሓበሬታ ናይ ጸላእቲ ድማ ብ1977 ንሜዳ ወጺኡ፡ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተሰሊፉ።

ኣብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ተመዲቡ ድማ፡ ሞይኡን ዓቕሙን ዘፍቅዶ ኣበርክቶ ገይሩ። ኣብ መፋርቕ ሰማንያታት፡ ኣብ ጉጅለ ባህሊ፡ ክፍለ ሰራዊት 16 ተመዲቡ፡ ድራማታት ብምድራስን ብምእላይን ከምኡ' ውን ግጥምታት ብምጽሓፍን ከኣ፡ ንኡድ ስነ-ጥበባዊ ኣበርክቶ ገይሩ።

ፍስሃ ዮሃንስ፡ ሓደ ካብ'ቶም፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝፈረዩ፡ ምኩራት ስነ-ጥበበኛታት ሃገርና እዩ።

(ምንጪ-ጋዜጣ መፍትሕ
ነፍሲሔር ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነ)

ህጻናት ዓንድን ተስፋ መጻእን ናይ ሓንቲ ሃገር ምዃኖም፡ ብዝግባእ ዝርዳእ ዝነበረ ጆሽዋ፡ ዳሬክተር ናይ ህጻናት ሰርከስ ኮይኑ ክሰርሕ፡ ሞራላዊ ግዴታ'ዩ ነይሩ ንዕኡ።

መዓስ እዚ ጥራይ፣ ኣብ 1994 ምስ ኢሰያስ ጸጋይ ብምዃን፡ ሓንቲ ንህጻናት ሙዚቃን ድራማን እትምህር፡ናይ ቆልዑ ጉጅለ ትያትር 'ሰዊት' ክምስርት'ውን ክኢሉ'ዩ።

ጆሽዋ፡ ኣብ 2001 ምስ ብሕታዊት ጋዜጣ ሰቲት እናሰርሐ እንከሎ'ዩ፡ ምስ ከምኡ ጋዜጠኛታት ብጾቱ፣ ብሰሪ ፊልሞን ዝተባህለ፡ ነቓፊ'የ በሃሊ ለፍላፊ ዩቲበር ተጨውዩ። ኣብ ሸላታት ዒራዒሮ ከም ዝዳጎን ተገይሩ።

ጆሽዋን ብጾቱን ካብ እዝሰሩ፣ ድሮ 25 ዓመታት፡ 9, 131 መዓልታት፡ 219, 114 ሰዓታት ሓሊፉ ኣሎ።

ስለ'ዞም ፊልሞን ዝዳጎኖም ውጹዓት ግን ተዛሪብና ዲና፧ ኣይተዛረብናን። ሕጂዶ ኣደብ ይገብር፧ ሎሚዶ ስርዓት ይገዝእ፧ ጽባሕዶ ሸረፉ ይሕዝ፧ ብዝብል ትዕግስቲ ነዊሕ ተጻዊርናዮ። ነዊሕ ተጸሚምናዮ።

ሕጂ ግን በዚሑ። ኣብዚሕዎ ፊልሞን!

ስውእ ኢሰያስ ጸጋይ፡ ፊልም "ትማሊ" ድሕሪ ምስርሑ፣ ዓሊ ዓብዱን ብጾቱ ተወዳዲቦም፡ ንኢሰያስ ከጥቅዕዎ እንከለው፡ ፊልሞን'ዩ መራሒ ነይሩ።

ዓሊ ምስ ፊልሞን ተማኺሩ፣ ዕሱባት ወዲቡ፡ ኣብ ኤሪ-ቲቪ፣

"ትማሊ ከምዚ ኣይነበረን፡ ሽጋራ ትሰቲ፡ ሓለፍታ ዘይትሰምዕ ስዲ፡ ዘይምእዝዝቲ ገጸ-ባህሪ ሃኒጽካ፡ ታሪኽ ገድልና ኣበላሽኻዮ፡ በሊልካዮ!" ከም ዝጽረፍ ገይሩ፡ ክነቕፎ፡ ክሳብ ዓራት ዝሕዝ ከዋርዶ፡ ተስፋ ሰፊፉ፡ ሞራሉ ሃደሽደሽ ኣቢሉ መቓብር ክሶዶ ርኢናን ሰሚዕናን ኢና።

ግን'ከ ተዛሪብና!፧ ኣይተዛረብናን! ፍጽም ምዩቕ ኣይበልናን! ምዕጒ ኣይመለስናን! ኤርትራዊ ኒሕን ሓቦን ተቖራጽነትን ተዓጢቕና፡ ከም ቀደምና ስቕታ መሪጽና። በቃ ስቕ!

ስቅታና ግን መሻደኒ ፊልሞን ኮይኑ! መሸይጠኒ ሓደ ለፍላፊ!

ስኔማ ሓማሴን፡ ስኔማ ካፒቶል፡ ኢምፔሮ፡ ሮማ ወዘተ... ሎሚ ኣበይ ኣለዋ፧ ጉቡእ ኣገልጉሎተን ይህባዶ ኣለዋ፧

ደርጊ'ኳ እዚ ጸላኢ፡ ባዕዳዊ ገዛኢ ንስኔማታትና ኣይዓጸዎን፡ ፊልምታትና ኣይሓየሮን። ፊልሞን ግን፡ ጸላኢ ዘይገብሮ ውዲት፡ ኣብ ልዕሊ ስነ-ጥበባዊ ስርሓትና ብርሰት ኣጻዊዱ። መቒሕዎ።

ብናጽነት ከይንጽሕፍ፡ ከይንደርስ፡ ብሳንሱር ከም ንዋጠር ገይሩ፡ ሓርነትና ከይንእውጅ ናይ ሓሳብ እሱራት ገይሩና።

ሎሚ እቶም ብናጽነት ክጽሕፉ ዝኽእሉ፡ ዓበይቲ ኣርካናትና ኣበይ ኣለው፧

ደራሲ "መን ይፈልጥ፡ ወይ ሰብ ደቀይ፧ ግዳይ ከምኡ 'ውን ተርጓሚ ፊልም ረሚ ኣንጭዋ" ቢንያም ዮሴፍ ኣበይ ኣሎ፧ ድሃዩ ሓቲትና ንፈልጥ፧ ኣይንፈልጥን! ሳንድያጎ ዝኣክል ፍላስፋ ስለምንታይ ካብ ሃገሩ ወጺኡ ይነብር፧

ደራሲ ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ፡ ጋዜጠኛ ይርግኣለም ፍስሃ ዓዶም ጸሊኦም ድዮም ኤርትራ ዘይኣትው፧ ኣብራር ዑስማን ዝኣክል ኣርካን፡ ዮሃንስ ትካቦ (ወዲ ትካቦ) ዝኣክል ጠቢብ ብምንታይ ምኽንያት ዓዲ ጓና ይሰፍሩ!፧

ጽሩራ ዝዕድሉ፣ ኣባላት መማይት ኮሚተ ፊልም ሃገርና ዝነበሩ፡ ሰብ ጥበብ ጽሩራ ሄኖክ ተስፋብሩኽ፡ ኣኸድር ኣሕመዲን፡ ኣበየ-ማእዝን ስደት ፋሕ ጭንግራሕ ዝበሉስ-ኣብ ምንትምንታይ!፧

እቲ ሕቶ ብዙሕ'ዩ! ብዙሕ... ብዙሕ...! ብዙሕ...! ግን ነዛ ቀላል ሕቶ ብድፍረት ኣውጺእናያዶ!፧ ሓቲትናዶ፧ ኣይሓተትናን! በቃ ትሕትና መሪጽና፡ ስቅ... ስቅ! ስቕ! ፍጽም ስቅ! ፍጽም ትሕትና!

እወ... ነዚ ኩሉ ዓፈና ናይ ፊልሞን ክሳብ ሕጂ ተጻዊርናዮ እንዲና፡ ሕጂ ግን ኻላስ ተወዲእና'ዩ። ናይ ኣኸር በጺሕና'ዩ! በቃ ስቅ ኣይክንብልን ኢና።

"መን ድኣ ይብልዎ፡ ፊልምታትና፡ ኣብ ዓድና ምስ ህዝብና ከይንሰርሖ፡ ኣብ ገዛእ ሃገርና ኣህዲሙ፡ "ስነ-ጥበባውያን ኣዲስ፡ ስነ-ጥበባውያን ካምፓላ!" ዘስምየና!

መን'ዩ ንሱ፣ ኣብ ስክሪን ተሓቢኡ፣ ሃገር ብሃገራ ምድረ-በዳ ዝቕይራ!፧

መን ወዲ መን ኮይኑ'ዩ፡ ኣብ ደስ ዝበሎ ሰዓትን እዋንን፡ ስነ-ጥበባውያንናን ጥበብናን ዝኣስርን ዝፈትሕን!፧

ድሕሪ ደጊም፡ ስቅታና ተሴሩ ኣሎ። ንፊልሞን ኣፉ እንተዘይ ኣትሒዝናዮ፣ ሓለይቲ፡ ተሓለቕቲ፡ ተሰቀቕቲ ስነ-ጥበብ ኤርትራን፡ ስነ-ጥበባውያንን ኣይኮንናን!

ሜሮን ሃብተማርያም

⚽️ታሪኻዊ ዓወት ኣህጉር ኣፍሪቃ...✅⚽️ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ 10 ሃገራት ኣብ ዋንጫ ዓለም ተሳቲፈን፥ እተን 9 ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ (Knockout) ብስጋረን ታሪኻዊ ዓወት ይስራሕ ኣሎ። ...
28/06/2026

⚽️ታሪኻዊ ዓወት ኣህጉር ኣፍሪቃ...

✅⚽️ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ 10 ሃገራት ኣብ ዋንጫ ዓለም ተሳቲፈን፥ እተን 9 ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ (Knockout) ብስጋረን ታሪኻዊ ዓወት ይስራሕ ኣሎ። 🌍✊🏿?

እወ! ብሓቂ ዜኹርዕን ታሪኻውን ዓወት እዩ! 🌍✊🏿
ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም (World Cup)፡ ክንድዚ ዝኣክል ብዝሒ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ (9 ካብ 10) ብሓንሳብ ናብ መድረኽ ኣውዲቕካ ምሕላፍ (Knockout stage) ክሰግራ ርእዩ ኣይፈልጥን። እዚ ፍጻመ እዚ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኹሉ ፈታዊ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ፍሉይ ሓጐስ ዝፈጥር እዩ።
እዚ ታሪኻዊ ስግረ ትርጉሙ ብዙሕ እዩ፦

✅ዕብየት ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ፦ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ተሳትፎ ሓሊፈን፡ ምስተን ናይ ዓለም ሓያላት ሃገራት ብማዕረ ክወዳደራን ክስዕራን ከም ዝኽእላ ዘረጋገጸ ፍጻመ እዩ።

✅ምስባር ድሮ-ፍርዲ (Breaking Stereotypes)፦ ቅድሚ ሕጂ ውሑዳት ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራይ እየን ናብ ዝለዓለ መድረኽ ዝበጽሓ ነይረን። ሕጂ ግና እቲ ታሪኽ ተቐይሩ፡ ሓባራዊ ዓወት ኣህጉር ኮይኑ ኣሎ።
✅ተስፋን ምትእምማንን፦ እዚ ንመጻኢ ወለዶ ኣፍሪቃውያን ተጻወቲ፡ "ንሕና እውን ንኽእል ኢና" ዝብል ዓቢ ድራኸን መንፈስን ዝፈጥር እዩ።
✅⚽️እዘን ሃገራት ኣብ ቀጻሊ ጸወታታተን ዝያዳ ዓወት ኣመዝጊበን ክሳብ መወዳእታ (ፍጻመ) ክበጽሓ ንምነ!

✅⚽️ካብዘን ናብ ቀጻሊ መድረኽ ሓሊፈን ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ክሳብ መወዳእታ በጺሓ ዋንጫ ዓለም ክትወስድ ትኽእል እያ ኢልካ ትግምታ ወይ ብፍላይ እትድግፋ ሃገር ኣላዶ?

Is AI or real?
10/04/2026

Is AI or real?

ናይ ምሳሕ ሰዓትና ስለ ዝኣኸለ ኩልና ተጻወትቲ ናብ ናይ መመገቢ ቦታና ኣምራሕና። እቶም 5 ተጻወትቲ ብገንዘቦም ክምገቡ ስለ ዝቀነዩ ሽዑ ውን ብገንዘቦም ደስ ዝበሎም መግቢ ኣዘዙ።ንሕና ግን ...
08/04/2026

ናይ ምሳሕ ሰዓትና ስለ ዝኣኸለ ኩልና ተጻወትቲ ናብ ናይ መመገቢ ቦታና ኣምራሕና። እቶም 5 ተጻወትቲ ብገንዘቦም ክምገቡ ስለ ዝቀነዩ ሽዑ ውን ብገንዘቦም ደስ ዝበሎም መግቢ ኣዘዙ።
ንሕና ግን ካብቲ ብጋንታ ተዳልዩ ዝመጸ ገንዘብ ኢና ክንምገብ ቀኒና ወላ ውን ነቲ መግቢ እንተጸላእናዮ ገንዘብ ስለ ዘይብልና ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረን። ናብ ኤርትራ ንምለሰሉ መዓልቲ ይቀርብ ስለ ዝነበረ እቶም ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኤውሮፓ ዝመጹ ደቂ ጋንታና ዝተፈላለየ ነኣሽቱ ህያባት ንዓዲ ተማሊእና ንቤተሶቦም ክንህቦም ይልእኹና ነበሩ። እቲ ካልእ ክንሓስብ ዝገበረና እንበኣር ካብዚ እዩ ዝጅምር።

ሓደ ካብኣቶም ናባይ ቀሪቡ ስእልታት ናይ ስድራቤቱ ከርእየኒ ጀመረ። ምስ ስድርኡ ኣብ ስደት እዩ ዝነብር ዝተፈላለየ ናይ ሓጎስ ስእልታት የርእየኒ ከም መመረቅታ ናይ ዓቢ ሓዉ ናይ ዕለተ ልደት ንእሽቶ ሓፍቱ ዝኣመሰለ መሳጢ ስእልታት። እዚኣ ኣደይ እያ እዚ ከኣ ምንኣሰይ እዩ እንዳበለ ንኹሎም ስድርኡ ኣብ ሞባይሉ ኣላለየኒ። ኣነ ብሓሳብ ናብታ ዝገደፍክዋ ስድራይ ተመሊሰ ምስ ስድርኡ ከወዳድር ጀመርኩ።💔 ነቲ ኣብ ኩናት ትግራይ ምስ ኣተወ ደሃይ ዘጥፈአ ምንኣሰይ ሓወይ ምስቲ ኣብ ሞባይል ምስ ሓፍቱ ተሓቋቂፉ ዝነበረ ሓዉ ኣመሳሲለ "ለካ ሓጎስ ብሂወት እንተሃሊኻ ጥራይ እዩ" በልኩ። ስእልታት ምርኣይ ይቅጽል ኔሩ ነቲ ኣብ ውትህድርና ዕድሚኡ ዝወደአ ወላድየይ ውን ምስቲ ባድላ ተኸዲኑ መኪና እንዳመረሐ ዝተሰኣለ ስእሊ ወላዲኡ ኣመዛዘንክዎ ሕጂ ውን ኣብ ልበይ ቅንኢ ድዩ ሕርቃን ገለ ይስመዓኒ ኔሩ።

ካብ ጅቡኡ 500€ ኣውጺኡ ንኣቦሓጎይ ክትህበለይ ኢኻ ኢሉ ገንዘብ ክቆጽር ምስ ረኣኽዎ እዩ ሃንደበት ካብ ባሕሪ ሓሳባተይ ዘበራበረኒ። ኣብ ሓንጎለይ ሓሳባት ክርቡሹኒ ጀመሩ። ከመይ ደኣ ክልቴና ደቂ ሓደ ሃገር ኣነባብራና ከኣ ሰማይን ምድርን መን እዩ ኸ ኣብ ዘይቦትኡ ዝነብር ዘሎ። ንሱ ንቤተሰቡ ገንዘብ ክማላኣሉ ይልእከኒ ኣሎ ኣነ ኸ ንስድራይ እንታይ ሒዘ እየ ክኣትዎም። ምሳኻ ይጽናሕ ከይጠፍኣኒ ክሳብ እቲ ምብጋስ ዝቀርብ በልክዎ ኩሉ ክሓስበሉ ግዜ ከም ዘድልየኒ ተረዲአ።

እቶም ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝመጹ ዝተፈላለየ ዜግነት ዘለዎም ኤርትራውያን ደቂ ጋንታና ምሳና ብዙሕ ርክብ ኣይነበሮምን። ካብ ጸወታን ልምምድን ወጻኢ ዝኾነ ግዜ ኣብ መደቀሲ ክላሶም ኮይኖም ብተሌፎን ምስ ስድረኦም ከዕልሉ እዮም ዝውዕሉ። እቶም ብኤርትራ ዝመጻና ተጻወትቲ ግን ብሓባር ኢና ነዕልል ኔርና። ዝበዛሕና ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝነብሩ ወለዲ ዘለዉና መንእሰያት ኢና። ስለዚ ኢና ነዛ ንእሽቶ ዕድል ተጠቂምና ኣብዚ ሰፊሕ ዓለም ምስ ምዕቡላት መንእሰያት ዓለም ክንዓቢ ካብታ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ኮይና ዘላ ኤርትራ ክንሃድም እንበር ክንምለስ ዘይመረጽና።
ናይ ምህዳም መደብ ኣይነበረናን ግን ልክዕ ከምቶም ካብ ካልእ ሃገር ዝመጹ ደቂ ጋንታና ሓጎስ የድልየና እዩ ገንዘብ የድልየና እዩ ናጽነት ውን ይግበኣና እዩ። ሰላም ንኹሉ🥰

Credit - Meron Bekure
ሓቐኛ ሂወት

          Who is the real winner 🏅 of the battle ?
08/04/2026


Who is the real winner 🏅 of the battle ?

ኢራን ነቲ ኲናት ንምቁራጽ ኣብ ዘቕረበቶ መደብ 10 ነጥብታት ብመሰረት ወግዓዊ ማዕከን ዜና ታስኒም ኢራን (Irans semi-officiell Tasnim News Agency) ፤– "ኣመሪካ ብመ...
08/04/2026

ኢራን ነቲ ኲናት ንምቁራጽ ኣብ ዘቕረበቶ መደብ 10 ነጥብታት ብመሰረት ወግዓዊ ማዕከን ዜና ታስኒም ኢራን (Irans semi-officiell Tasnim News Agency) ፤

– "ኣመሪካ ብመትከል፡ ንዘይምጥቃዕ ንምርግጋጽ ቃል ክትኣቱ ኣለዋ።"

– "ቀጻሊ ምቁጽጻር ኢራን ኣብ ልዕሊ መጻብቦ ሆርሙዝ።"

– "ምቕባል ምህብታም ዩራንየም።"

– "ምእላይ ኩሉ ቀዳማይ ደረጃ እገዳታት።"

– "ምእላይ ኩሉ ካልኣዊ እገዳታት።"

– "ምቁራጽ ኩሎም ውሳኔታት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት።"

– "ምቁራጽ ኩሎም ውሳኔታት ቦርድ ኣመሓደርቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶሚክ ጸዓት (IAEA)።"

– "ምኽፋል ካሕሳ ንኢራን።"

– "ምስሓብ ሓይልታት ውግእ ኣሜሪካ ካብቲ ዞባ።"

– "ኣብ ኩሉ ግንባራት ኲናት ምቁራጽ፡ እንተላይ ኣንጻር እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝካየድ ዘሎ ጅግንነታዊ እስላማዊ ተቓውሞ።"

Adress

Stockholm

Telefon

+46722802174

Webbplats

Aviseringar

Var den första att veta och låt oss skicka ett mail när It's just for Funny postar nyheter och kampanjer. Din e-postadress kommer inte att användas för något annat ändamål, och du kan när som helst avbryta prenumerationen.

Genvägar

Dela