06/01/2026
ልደተ ክርስቶስ፡ ናይ ተስፋ፣ ፍቕርን ማሕበረሰባዊ ሓላፍነትን እዋን
እዋን ልደተ ክርስቶስ ናይ ፍቕሪ፣ ርህራሄን ተስፋን እዋን እዩ። እዚ ቅዱስ በዓል፣ ንሓድነት፣ ንምትካእን ንምሕያል ማሕበረሰብና ዝዕድመና እዩ።
መሕበሕበሕቢ ተጠቃዕቲ ሕማም ስነ-አእምሮ ምድረ ገነት፣ ካብ ዝተመስረተ ጀሚሩ፣ ኣብ ማሕበረሰብና ንዝሳቀዩ ተጠቃዕቲ ሕማም ስነ-አእምሮ ብዛዕባ ሕማሞም ምፍላጥ ንምዕባይ፣ ምንቃቕ ንምፍጣርን ክብሮም ንምሕያልን ብትጉህ እንዳ ሰርሐ መፂኡ እዩ።
ሕዚ ድማ፣ እዞም ወገናትና ናብ ስሩዕን ክብሪ ዘለዎን ሂወት ንምምላስ፣ ኣብ ሓደ ሓቁፊ ማእከል ክንሓዞም፣ ጥዕኖኦምን ሂወቶምን ንምቕያር ክንሰርሕ ኣለና።
እዚ ግን ብትካል ጥራይ ዝፍጸም ኣይኮነን።
ናይ ኩልና ርብርብ፣ ደገፍን ሓላፍነትን ይደልይ።
ኣብዚ ልደት ክርስቶስ፣ ፍቕርናን ርህራሄናን ንዝደልዩ ወገናትና ብተግባር ንንግለጽ።
ብዝተፈላለዩ መንገድታት ደገፍኩም ብምብርካት፣ ምሕብሓብን ምንቃቕን ብምስፋፋሕ፣ ናይ ህይወት ለውጢ ክንፈጥር ንኽእል።
👉 ዝያዳ ሓበሬታን ንምድጋፍ መንገድታትን ንምርካብ፣ ናብ ድሕረ-ገፅና ብጽኑዕ ንዕድመኩም፦
🌐 https://www.midregenet.com
እንኳዕ ንልደተ ክርስቶስ አብጽሓና፤ ተስፋ ንኹሉ፣ ክብሪ ንሰብኣዊነት። 💙