24/07/2026
🔴 Bell's Palsy–(ብተለምዶ መጋኛ ተባሂሉ ዝፅዋዕ)
ቤልስ ፓልሲ ማለት ብሰንኪ ምድኻም ወይ ምቁራጽ ስራሕ 7ይ ክራንያል ነርቭ (Facial nerve)፣ ሓደ ወገን ገጽ ብድንገት ክደክም ወይ ሚዛኑ ክስሕት ዝገብር ኩነታት እዩ። ብዙሕ ግዜ ኣብ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ብድንገት ይጅምር።
2. ♦️መቀሊ ምኽንያት
ትክክለኛ መንቀሊኡ ብዙሕ ግዜ ኣይፍለጥን። ግን ምስ ቁጠዐ (inflammation) ወይ ዳግማይ ምንቃሕ ናይ ሓደሓደ ቫይረሳት ዝተኣሳሰር ክኸውን ይኽእል፦
➟Herpes simplex virus (HSV)
➟Herpes zoster virus
➟ካልኦት ቫይረሳዊ ረኽሲታት
3. ♦️ምልክታት
➟ብድንገት ሓደ ወገን ገጽ ምድካም
➟ኩርናዕ ኣፍ ናብ ሓደ ወገን ምዝዛይ ወይ ምውዳቕ
➟ሓደ ዓይኒ ምዕጻው ዘይምኽኣል
➟ምስሓቕ ወይ ብግቡእ ምዝራብ ምሽጋር
➟ምዝርባብ (drooling)
➟ስምዒት ጣዕሚ ምንካይ
➟ድምጺ ኣብ ዝተጎድአ እዝኒ ኣዝዩ ምስማዕ
➟ኣብ ዙርያ ወይ ድሕሪ እዝኒ ቃንዛ
➟ዓይኒ ምድራቕ ወይ ብዙሕ ንብዓት ምፍሳስ
4. ♦️ሕክምና
ሕክምና ብፍላይ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት እንተተጀሚሩ ዝያዳ ውጽኢታዊ ክኸውን ይኽእል፦
➟Corticosteroids (ንኣብነት Prednisolone) – ምብጻሕን ሕማምን ናይ ነርቭ ንምንካይ
➟Antiviral medicines – ኣብ ሓደሓደ ኩነታት፣ ብፍላይ ኩነታቱ ከቢድ እንተኾይኑ ወይ ምስ Herpes zoster ዝተኣሳሰርእንተኾይኑ
➟ንዓይኒ ምክልኻል: Artificial tears ብመዓልቲ ምጥቃም፣ ዓይኒ ክዕጾ እንተዘይክኢሉ ድማ ናይ ዓይኒ ቅብኣት (eye ointment) ምጥቃምን ለይቲ ዓይኒ ብጥንቃቐ ምሽፋን።
➟Physiotherapy / ልምምድ ገጽ – ኣብ ገለ ሰባት ንምምላስ ናይ ገጽ ምንቅስቓስ ክሕግዝ ይኽእል
5. ♦️ምዕባለ ሕማም (Prognosis)
መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ክሳብ ገለ ኣዋርሕ ሙሉእ ብሙሉእ ይሓውዩ። ግን ኣብ ገለ ሰባት ንዘላቒ ግዜ ምድኻም ገጽ ወይ ካልኦት ጸገማት ክተርፍ ይኽእል።
⚠️ ኣገዳሲ መጠንቀቕታ
ምውዳቅ ገጽ ብድንገት እንተጀሚሩ፣ ብፍላይ ምስ፦
➟ምድኻም ኢድ ወይ እግሪ
➟ምዝራብ ምጽጋም
➟ምድንጋር (confusion)
➟ብርቱዕ ሕማም ርእሲ
➟ሚዛን ምጥፋእ
እንተተራእዩ፣ ብቕልጡፍ ናብ ህጹጽ ሕክምና ክፍሊምኻድ የድሊ፣ እዚ ናይ ስትሮክ (Stroke) ምልክት ክኸውን ስለዝኽእል ብቤልስ ፓልሲ ጥራሕ ክሰብ የብሉን።
#ፅዮን ፊዝዮቴራፒ ስፔሻሊቲ ክሊኒክ ፍታሕ ኣለዎ
መቀለ ካብ ሓሸንገ ናብ ዓይደር ኣብ ዝወስድ መንገዲ ፊት ንፊት ገረብ ፀዶ ትምህርቲ ቤት ንርከብ ። ፅዮን ንሕውየት ተገልገልቱ ቅድሚ ይህብ✅