Panorama TV

Panorama TV 🔥Public Health Officer 🩺
🛑ኣብ ዩትዩብ 👇
Panorama TV
100k loading...
"Wellness in every view!"

😯ፍራምረ ምብላዕ ክንድዚ ዝኣክል ኣብ ህይወትና ወሳኒ ምዃኑ ትፈልጡ ዶ👇👇👇https://youtu.be/tWw91L8Dna8https://youtu.be/tWw91L8Dna8
26/08/2026

😯ፍራምረ ምብላዕ ክንድዚ ዝኣክል ኣብ ህይወትና ወሳኒ ምዃኑ ትፈልጡ ዶ👇👇👇
https://youtu.be/tWw91L8Dna8
https://youtu.be/tWw91L8Dna8

0:07 - ተምሪ06:28 - እንቋቑሖ13:32 - ማንጎ24:14 - ኣጃ30:45 - ሞሪንጋ40:51 ...

ክፈሉ ስቕ ኢልካ ብነጻ ስራሕ የለን ወይለከ
24/08/2026

ክፈሉ ስቕ ኢልካ ብነጻ ስራሕ የለን ወይለከ

ፍትሒ ንዶ/ር ፀጋይ💔💔
23/08/2026

ፍትሒ ንዶ/ር ፀጋይ💔💔

" #ዝተወሰነ ሓበሬታ ብዛዕባ ዶ/ር ፀጋይ😭

ዶ/ር ፀጋይ ንሀዋሳ ባዕሉ ትኬት ቆሪፁ እዩ ከይዱ አብ ሀዋሳ ምስኣተወ አብ ኢንተርናሽናል ሆቴል እዩ ኣዕሪፉ።
ክሳብ ሰኑይ ናብ ኣዕርኽቱን መሳርሕቱን እናደወለ እዩ ነይሩ ካብ ሰኑይ ንድሕሪት ግን ድሃይ ኣይተረኸበን
ሰሉስ አብ እቲ ዝነበረሉ ሆቴል ዝሰርሓ ሰራሕተኛታት 5:00ሰዓት ኣንካሕኪሐን ክኸፍተን ኣይካኣለን።

እተን ሰራሕተኛታት ደቂሱ ይኸውን ኢለን ድሕሪ ሐደ ሰዓት ተፀቢየን ኣንካሕኩሐን ክኸፈተን ግን ኣይከኣለን ብድሕሪኡ ናብ ፖሊስ ከተማ ሀዋሳ ደዊለን ።

ፖሊስ ከተማ ሀዋሳ ድማ እቲ ማዕፆ ክኽፈት ብምግባር ኣትዩ ዶ/ር ፀጋይ ግን ብሂወት ኣይነበረን😭
አብዙይ ክገልፆም ዘይደሊ ምልክታት አብ ኢድ ፖሊስ ይርከቡ!!

ብድሕሪኡ ፖሊስ ናይ ዶ/ር ፀጋይ ናይ ስራሕ መታወቅያ ብምርኣይ ናብ ቅዱስ ጳውሎስ ደዊሉ ሓበሬታ ሂቡ።
እቶም ዝተደወለሎም መሳርሕቱ ድማ ናብ
ቤተሰቡን ኣዕርኽቱን ደዊሎም ።

ብድሕሪኡ ምስ መሳርሕቱ ብምኻን ናብ ሀዋሳ ሰለስተ ቤተሰብ ወኪልና ሊኢኽና እቲ አስካሬን ናብ ሚንሊክ ሆስፒታል ብፖሊስ ሀዋሳ ተዓጁቡ ክመፅእ ተገይሩ ሮቡዕ ማለት እዩ።

ሓሙስ አብ ሚንሊክ ሆስፒታል ሓዲሩ ናብ ትግራይ ተላኢኹ።

ዓርቢ ከዓ ስነ ስርዓት ቀብሩ ተኸይዱ።

#መኪና ናይ ዶ/ር ፀጋይ ጠፊኣ ዝበል ሓበሬታ ግን ሓሶት እዩ መኪና ናይ ዶ/ር ፀጋይ አብ በሪ መንበሪ ገዝኡ ጠጠዉ ኣቢልዎ እዩ ኸይዱ!!

ኩነታት ኣማውታ ዶ/ር ፀጋይ አብ ምፅራይ ስለ ዝርከብ ዘይኮነ ሓበሬታ እተሰራጭው ሰባት በጃኹም እቲ ከይዲ ምፅራይ የተዓናቕፈልና ስለ ዘሎ ፖለቲካዊ ትርጉም ካብ ምሃብ ተቖጠቡ!!

#ሓውና ዶ/ር ፀጋይ ፖለቲከኛ ኣይኮነን ብሞያኡ እዩ ዘገልግልነይሩ።

ዝበለፀ ሓበሬታ እትደልዩ ብውሽጢ ርኸቡኒ
ብግምት ምፅሓፍ አየድልን!!
--------

ነቲ ከይዲ ምርመራን ምፅራይን ክፀልው ዝክእሉ ፖ*ለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ሓሳባት እተካፍሉ ኣሕዋትና ነዚ ፀውዒት ተቀቢልኩም ሓሳባትኩም ክተስተካክሉ ትፅቢት ይግበር።"

Address

56 Road
London
SE72RL

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Panorama TV posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share