RAHWA Medical Services ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና

  • Home
  • Uganda
  • Kampala
  • RAHWA Medical Services ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና

RAHWA Medical Services ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from RAHWA Medical Services ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና, Medical and health, Ggaba Road, Kampala.

Rahwa Medical Services is a medical facility that provides medical, pediatric, gynaecology, obstetrics, surgical, laboratory, and imaging services, closely working with other medical specialities in Kampala.

🏥✨ ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና ንጥዕናን ሓጎስን ውላድኩም ንምርግጋጽ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ኣገልግሎት ሕክምና ህጻናት ይህብ።ንህቦም ኣገልግሎታት፥✅ ሓፈሻዊ ምርመራን ምክትታል ዕብየትን✅ ኣገልግ...
22/07/2026

🏥✨ ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና ንጥዕናን ሓጎስን ውላድኩም ንምርግጋጽ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ኣገልግሎት ሕክምና ህጻናት ይህብ።

ንህቦም ኣገልግሎታት፥

✅ ሓፈሻዊ ምርመራን ምክትታል ዕብየትን
✅ ኣገልግሎት ክታበት ህጻናት
✅ ምኽሪ ኣመጋግባ ንጥዑይ ዕብየት
✅ ሕክምና ልሙዳት ሕማማት ህጻናት
✅ ክንክን ሓደሽቲ ዕሸላትን ህጻናትን
✅ ምሕደራ ሕዱር ሕማማት (ኣዝማ፡ ሕማም ሽኮር ወዘተ)
✅ መርመራን ሕክምናን ጥዕና ስኒ
✅ ህጹጽ ክንክን ህጻናት

ንዝበለጸ ደረጃ ኣገልግሎት ሕክምናን ምኽርን ናብ ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና ተወከሱ።

✅ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ራህዋ ማእከል ሕክምና ብምምጻእ ወይ ኣብዘን ዝስዕባ ቁ.ቴ ደዉሉልና!

📞 +256 704 631388 / 📞 +256 709 873147 / 📞 +256 707 072447

📍ቦታ ኣገልግሎትና ኣብ ቡንጋ (ቡንጋ ሸል ሓሊፍካ ፊት ሳሳ ኮምፕሌክስ ጎደና king Ceasor Rd.) ኢዩ !

ሕማም መርዘን  ሕማም መርዘን ንሰዓታት ወይ ንመዓልታት ውን ክጸንሕ ዝኽእል ኮይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ዕግርግር፣ ሕማም ርእሲ፣ ከምኡ’ውን ናይ ብርሃንን ድምጽን ተነቃፍነት የመጽእ።ልሙዳት መ...
15/07/2026

ሕማም መርዘን

ሕማም መርዘን ንሰዓታት ወይ ንመዓልታት ውን ክጸንሕ ዝኽእል ኮይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ዕግርግር፣ ሕማም ርእሲ፣ ከምኡ’ውን ናይ ብርሃንን ድምጽን ተነቃፍነት የመጽእ።

ልሙዳት መበገሲታት > ጸቕጢ፡ ዋሕዲ ማይ ምስታይ፡ ሕጽረት ድቃስ፡ ዝተወሰኑ መግብታት፡ ከምኡ'ውን ለውጢ ሆርሞናት ወይ ዉን ብተወርሶ ዝመጽእ ክኸውን ይኽእል።

ምክልኻል ሕማም መርዘን ፤
* እኹል ማይ ምስታይ
* ሚዛናዊ መግቢ ምብላዕ
* እኹል ዕረፍቲ ምውሳድ
* ጸቕጢ ምምሕዳር
* ንመበገሲታት ሕማም መርዘን ምፍላጥን ምውጋድን
* ሕክምናዊ ሓገዝ ምድላይ
* ኣብ ህዱእን ጸልማት ወይ ብዙሕ ብርሃን ዘይብሉ ክፍሊ ምዕራፍ

✅ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና ብምምጻእ ወይ ኣብዘን ዝስዕባ ቁ.ቴ ደዉሉልና!

📍ቦታ ኣገልግሎትና ኣብ ቡንጋ (ቡንጋ ሸል ሓሊፍካ ፊት ሳሳ ኮምፕሌክስ ጎደና king Ceasor Rd.) ኢዩ !

📞 +256 704 631388 / 📞 +256 709 873147 / 📞 +256 707 072447

መጥባሕቲ ሕርሲ(C-Section) ክንክንን ክትጥንቀቐሎም ዝግብኣና ምልክታትን መጥባሕቲ ሕርሲ ዓቢ መጥባሕቲ ኮይኑ  ልክዕ ከም ዝኾነ ካልእ መጥባሕቲ ድማ፡ ግቡእ ክንክን ንቅልጡፍ ምሕዋይን ም...
08/07/2026

መጥባሕቲ ሕርሲ(C-Section) ክንክንን ክትጥንቀቐሎም ዝግብኣና ምልክታትን

መጥባሕቲ ሕርሲ ዓቢ መጥባሕቲ ኮይኑ ልክዕ ከም ዝኾነ ካልእ መጥባሕቲ ድማ፡ ግቡእ ክንክን ንቅልጡፍ ምሕዋይን ምክልኻል ረኽስን ቀንዲ ረቛሒ እዩ።

ምልክታት ረኽሲ ምክትታል፤
🚨 ኣብ ከባቢ ቦታ መጥባሕቲ ምቅያሕ፣ ሕበጥ፣ ወይ ረስኒ ምስ ዝህሉ
🚨 ረስኒ
🚨 ኣብ ቦታ ቁስሊ ቃንዛ ምውሳኽን ዘይምሓየሽህን
🚨 ሕማቅ ጨና ዘለዎ ፈሳሲ ምስ ንርኢ
🚨 ሕበጥ ከብዲ ወይ ተሪር ጥረ ምስ ንርኢ

ምኽርታት ክንክንን፤
✅ ኣብ ናይ መጥባሕቲ ቦታ ጽሩይን ደረቕን ክኸውን ይግባእ
✅ ብውሑዱ ን6 ሰሙን ከበድቲ ነገራት ካብ ምልዓል ምቑጣብ
✅ ንምሕዋይ ንምቅልጣፍ ብፕሮቲን ቪታሚን ዝሃብተመ ኣመጋግባ ምምጋብ
✅ ዋሕዚ ደም ንምምሕያሽን ደም ንኸይረግእን መዓልታዊ ቀስ ኢልካ ምቅስቓስ
✅ እኹል ዕረፍቲ ምውሳድ

ዝኾነ ምልክት ረኽሲ መስ ንርኢ ምቅልጡፍ ሕክምና ምግባር። ንዝተፈላላየ መርመራን ሞያዊ መምርሕን ምሕደራ ጥዕናኹምን ጥዕና ደቅኹምን ንምርካብ ሎሚ ብጽሑና! 💙

✅ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና ብምምጻእ ወይ ኣብዘን ዝስዕባ ቁ.ቴ ደዉሉልና!

📍ቦታ ኣገልግሎትና ኣብ ቡንጋ (ቡንጋ ሸል ሓሊፍካ ፊት ሳሳ ኮምፕሌክስ ጎደና king Ceasor Rd.) ኢዩ !

📞 +256 704 631388 / 📞 +256 709 873147 / 📞 +256 707 072447

ምልክታት ሕማም ዓሶ ኣብ ህጻናትሕማም ዓሶ ንህጻናት ከቢድ ናይ ጥዕና ስግኣት ኮይኑ፡ ምክልኻልን ብኣግኡ ምፍዋስን ግን ህይወት ከድሕን ይኽእል! 🚨 ገለ ምልክታት ንምጥቃስ፤⚠️ ልዑል ረስኒ ⚠...
24/06/2026

ምልክታት ሕማም ዓሶ ኣብ ህጻናት

ሕማም ዓሶ ንህጻናት ከቢድ ናይ ጥዕና ስግኣት ኮይኑ፡ ምክልኻልን ብኣግኡ ምፍዋስን ግን ህይወት ከድሕን ይኽእል!
🚨 ገለ ምልክታት ንምጥቃስ፤
⚠️ ልዑል ረስኒ
⚠️ ቁሪ ቁሪ ምባልን ረሃጽን
⚠️ ሕማም ርእሲን ቃንዛ ኣካላትን
⚠️ ድኻም
⚠️ ዕግርግር ምባልን ተምላስን
⚠️ ምጥፋእ ሸውሃት

🏥 ደቅና ምልክታት ሕማም ዓሶ ምስ ዘርእዩ እንታይ ክንገብር ኣለና?
✅ ብቕልጡፍ ሕክምናዊ ሓገዝ ምድላይ!
✅ ቅልጡፍ ምርመራ ናይ ዓሶ ምርመራ ግበር
✅ ብሓኪም ዝተኣዘ ፀረ ዓሶ ሕክምና ብቕልጡፍ ምጀማር

🛡️ ምኽርታት ምክልኻል:
✅ ኣብ ጸረ-ጣንጡ ዝተሰበነ መሸፈኒ ላምስያ ምድቃስ
✅ መከላኸሊ ጸረ-ጣንጡ ስፕረይ ወይ ዝልከ ክሬም ምጥቃም
✅ ሓሳኹ ጣንጡ ንኸይራባሕ ዝዓቆረ ማይ ምእላይ
✅ ናብ ዓሶ ዝቃላዕ ከባቢታት ኣብ ንጎዓዘሉ መከላኸሊ መድሃኒት ምውሳድ
✅ ምልክታት ምስ ዝረኣዩ ብቕልጡፍ ናብ ሕክምና ምኻድ
✅ ዓሶ እንተሓሚምካ መድሃኒት ተኽታቲልካ ምውዳእ

⚕️ኣብ ሓደ ህጻን ምልክታት ምስ እነስተብህል ብቕልጡፍ ናብ ሕክምና ምኻድ።

ኣብ ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምናን መርመራን ሕማም ዓሶ ንገብር። መርመራን ዝተፈላለየ ሞያዊ ሕክምናን ምኽርን ንጥዕናኹምን ጥዕና ደቅኹምን ንምርካብ ሎሚ ብጽሑና! 💙

✅ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና ብምምጻእ ወይ ኣብዘን ዝስዕባ ቁ.ቴ ደዉሉልና!

📍ቦታ ኣገልግሎትና ኣብ ቡንጋ (ቡንጋ ሸል ሓሊፍካ ፊት ሳሳ ኮምፕሌክስ ጎደና king Ceasor Rd.) ኢዩ !

📞 +256 704 631388 / 📞 +256 709 873147 / 📞 +256 707 072447


RAHWA Medical Services ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና Eritreans in Uganda

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!
20/06/2026

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!

💩 ንፈልጥ’ዶ? ድርቀት መብዛሕትኡ ግዜ ብንገብሮ መዓልታዊ ልምድታት ከም ዝመጽእ⚠️ ድርቀት ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ኣዝዩ ቀስ ኢሉ ምስ ዝኸይድን፡ ቀልቀል ተሪር፡ ደረቕ፡ ንምሕላፍ ኣጸጋሚ ይገ...
10/06/2026

💩 ንፈልጥ’ዶ? ድርቀት መብዛሕትኡ ግዜ ብንገብሮ መዓልታዊ ልምድታት ከም ዝመጽእ
⚠️ ድርቀት ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ኣዝዩ ቀስ ኢሉ ምስ ዝኸይድን፡ ቀልቀል ተሪር፡ ደረቕ፡ ንምሕላፍ ኣጸጋሚ ይገብሮ።
ጠንቅታት፤
• እኹል ማይ ዘይምስታይ
• ፍረታትን፡ ኣሕምልቲ፡ ከምኡ'ውን ጽሕጊ ዝሃብተሙ መግብታት ዘይምብላዕ
• ንነዊሕ እዋን ኮፍ ምባልን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምግባርን
• ሽቓቕ ናይ ምጥቃም ድሌት ሸለል ምባል
• ብብዝሒ ዝተመስርሐ ወይ ፋስት ፉድ መግቢ ምብላዕ
ምልክታት ድርቀት፤
• ተሪር ቀልቀል
• ቃንዛ ኣብ ቀልቀል ንወጻሉ
• መንፋሕቲን ዘይምቹእነትን ከብዲ
• ቀልቀል ኣብ ትወጻሉ ምሉእ ብምሉእ ዝወጸ ኮይኑ ምስ ዘይስምዓካ
✅ ድርቀት ምክልኻልን ንምፍዋስን፤
* እኹል ማይ ስተ
* ዝያዳ ጽሕጊ (Fiber) ዝሃብተሙ መግብታት ምብላዕ
* ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምዝውታር
* ስሩዕ ግዜ ናይ ሽቓቕ ልምዲ ምምዕባል

🚨 ድርቀት ንሰሙናት ምስ ዝጸንሕ፡ ከቢድ ቃንዛ ክፈጥርን፡ ወይ ድማ ኣብ ቀልቀል ደም ዘልዎ ምስ ዝኾውን ሕክምና ብምኻድ።
✅ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና ብምምጻእ ወይ ኣብዘን ዝስዕባ ቁ.ቴ ደዉሉልና!
📍ቦታ ኣገልግሎትና ኣብ ቡንጋ (ቡንጋ ሸል ሓሊፍካ ፊት ሳሳ ኮምፕሌክስ ጎደና king Ceasor Rd.) ኢዩ !
📞 +256 704 631388 / 📞 +256 709 873147 / 📞 +256 707 072447

ምድንጓይ ሕክምና ቤንቲሺተ ዘስዕቦ ሓደጋታትቤንቲሺተ ምስ ዝንድር ወይ ዝሓብጥ ቅልጡፍ ሕክምና እንተዘይተገይሩሉን ኣብ ምዓናጡና ፍሕ ክብልን ረኽሲ ኣብ መላእ ከብዲ ክዝርጋሕ የኽእል።⚠️ ምልክ...
03/06/2026

ምድንጓይ ሕክምና ቤንቲሺተ ዘስዕቦ ሓደጋታት
ቤንቲሺተ ምስ ዝንድር ወይ ዝሓብጥ ቅልጡፍ ሕክምና እንተዘይተገይሩሉን ኣብ ምዓናጡና ፍሕ ክብልን ረኽሲ ኣብ መላእ ከብዲ ክዝርጋሕ የኽእል።
⚠️ ምልክታት ሕማም ቤንቲሺተ
• ኣብ ጥቓ ሕምብርቲ ዝጅምርን ናብ ታሕተዋይ የማናይ ሸነኽ ከብዲ ዝኸይድን ቃንዛ
• ምጉዳል ሸውሃት ምግቢ
• ዕግርግር ምባል ወይ ተምላስ
• ረስኒ
• ሕበጥ ከብዲ
• ምስ ምንቅስቓስ፣ ምሰዓል ወይ ብእግሪ ምጉዓዝ ዝውስኽ ቃንዛ

🚨 ንምንታይ ሕክምና ክንዱንግይ ዝይብልና
• ምውሳኽ ሓደጋ ምብታን ቤንቲሺተ ኣብ መዓናጡና
• ከቢድ ረኽሲ ከብዲ
• ምፍጣር ቃንዛ ዘለዎ ረኽሲ
• ንነዊሕ እዋን ኣብ ሆስፒታል ምጽናሕን ናይ ምሕዋይ ግዜ ምንዋሕን
• ምቅላዕ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ከእትዉ ዝኽእሉ ጸገማት

💡 ቤንቲሺተ ህጹጽ ሕክምና የድልዮ፡ ብኣግኡ ምርመራን ሕክምናን ከበድቲ ጸገማት ክከላኸልን ቅልጡፍ ሕውየት ከውሕስን ይኽእል።
✅ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና ብምምጻእ ወይ ኣብዘን ዝስዕባ ቁ.ቴ ደዉሉልና!
📍ቦታ ኣገልግሎትና ኣብ ቡንጋ (ቡንጋ ሸል ሓሊፍካ ፊት ሳሳ ኮምፕሌክስ ጎደና king Ceasor Rd.) ኢዩ !
📞 +256 704 631388 / 📞 +256 709 873147 / 📞 +256 707 072447

ርሑስ በዓል ዒድ ኣልኣድሓ✅ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና 📍ኣድራሻና ቡንጋ ቡንጋ ሸል ሓሊፍካ ፊት ሳሳ ኮምፕሌክስ ጎደና king Ceasor Rd.📞 +256 704 631388 / 📞 +256 709 8...
27/05/2026

ርሑስ በዓል ዒድ ኣልኣድሓ
✅ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና
📍ኣድራሻና ቡንጋ ቡንጋ ሸል ሓሊፍካ ፊት ሳሳ ኮምፕሌክስ ጎደና king Ceasor Rd.
📞 +256 704 631388 / 📞 +256 709 873147 / 📞 +256 707 072447

ሕማም ቫይረስ ኢቦላ (EVD)፦ ምልክታት ምፍላጥን፡ ምክልኻልንሕማም ኢቦላ ከቢድን ኣዝዩ ተላባዒን ሕማም ኮይኑ፡ ምስ ዝተለኽፉ ፈሳሲታት ኣካላት ከም ደም፡ ተምላስ፡ ረሃጽ፡ ሽንቲ፡ ምራቕን ካ...
21/05/2026

ሕማም ቫይረስ ኢቦላ (EVD)፦ ምልክታት ምፍላጥን፡ ምክልኻልን
ሕማም ኢቦላ ከቢድን ኣዝዩ ተላባዒን ሕማም ኮይኑ፡ ምስ ዝተለኽፉ ፈሳሲታት ኣካላት ከም ደም፡ ተምላስ፡ ረሃጽ፡ ሽንቲ፡ ምራቕን ካልእ ዝተበከለ ነገራትን ብቐጥታ ብምርኻብ ብቕልጡፍ ክላባዕ ይኽእል።
⚠️ ልሙዳት ምልክታትን ምልክታትን ሕማም ኢቦላ
* ልዑል ረስኒ
* ከቢድ ሕማም ርእሲ
* ልዑል ድኻምን ቃንዛ ጭዋዳታትን
* ቃንዛ ጎሮሮ
* ተምላስ
* ቃንዛ ከብዲ
* ኣብ ከቢድ ኩነታት ካብ ኣካላት ምፍሳስ ደም
ሕክምና ምስ ዝዱንግይ ምልክታት ቀልጢፉ ክገድድ ይኽእል።

🚨 ኢቦላ ብኸመይ ይላባዕ
ኢቦላ ብመንገዲ፤
* ቀጥታዊ ርክብ ምስ ፈሳሲ ኣካላት ናይ ሓደ ዝተለኽፈ ሰብ
* ዝተበከለ ክዳውንቲ፡ ዓራት ወይ በሊሕ መሳርሒታት ምትንካፍ
* ምስ ዝተለኽፉ እንስሳታት ወይ ሬሳ ናይ ብኢቦላ ዝሞቱ ሰባት ምትንኻፍ

🛡️ ከመይ ጌርና ንከላኸሎ
✅ ኣእዳው ብስሩዕ ብሳምናን ጽሩይ ማይን ምሕጻብ
✅ ምስ ፈሳሲ ኣካላት ናይ ሕሙማት ውልቀ ሰባት ምትንኻፍ ምቑጣብ
✅ ብኢቦላ ዝሞቱ ሰባት ሬሳ ካብ ምትንኻፍ ምቑጣብ
✅ ምልክታት ሕማም እንተተራእዩ ብቕልጡፍ ሕክምናዊ ሓገዝ ምሕታት ካብ ሰብመዚ ጥዕና ዝወሃብ መምርሒ ምኽታልን

✅ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና ብምምጻእ ወይ ኣብዘን ዝስዕባ ቁ.ቴ ደዉሉልና!
📍ቦታ ኣገልግሎትና ኣብ ቡንጋ (ቡንጋ ሸል ሓሊፍካ ፊት ሳሳ ኮምፕሌክስ ጎደና king Ceasor Rd.) ኢዩ !
📞 +256 704 631388 / 📞 +256 709 873147 / 📞 +256 707 072447

⚠️ ሕቡእ ሓደጋታት ዘይተፈወሰን ዘይንቆጻጸሮን ልዑል ጸቕጢ ደምዘይንቆጻጸሮ ልዑል ጸቕጢ ደም ንኣካላትካ ብዘይ ዝኾነ ርኡይ ምልክታት ክጎድኦ ከም ዝኽእል ንፈልጥ’ዶ?🚨 ልዑል ጸቕጢ ደም ግቡእ...
22/04/2026

⚠️ ሕቡእ ሓደጋታት ዘይተፈወሰን ዘይንቆጻጸሮን ልዑል ጸቕጢ ደም

ዘይንቆጻጸሮ ልዑል ጸቕጢ ደም ንኣካላትካ ብዘይ ዝኾነ ርኡይ ምልክታት ክጎድኦ ከም ዝኽእል ንፈልጥ’ዶ?

🚨 ልዑል ጸቕጢ ደም ግቡእ ፍወሳን ቁጽጽርን ከይተገብረሉ ምስ ዝግደፍ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገማት ከም፤
* ሕማም ልብን ወቕዒ ልብን
* ወቕዒ ሓንጎል
* ጉድኣት ኣብ ኩሊት
* ናይ ምርኣይ ጸገማት ወይ ዕረት
* ጉድኣት ኣብ ሰራውር ደም

⚠️ ብዙሓት ሰባት ዝኾነ ምልክታት ከየርኣዩ ልዑል ጸቕጢ ደም ክህልዎም ይክእል - ስሩዕ መርመራ እቲ እንኮ መንገዲ ምፍላጥ ኩነታት ጥዕና እዩ።

✅ ንምክልኻል ልዑል ጸቅጢ ደም ክንገሮ ንኽእል፤
* ጸቕጢ ደምካ ብቐጻሊ ምፍታሽ
* ኣብ ንበልዖ ጨው ምጉዳል
* ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምዝውታር
* ጸቕጢ ምስ ዝህሉ ብቀዳምነት ምፍዋስን
* ምኽሪ ሓኪምካ ምክትታልን

ምልክታት ምስ ንርኢ ብእዋኑ ሕክምናዊ ክንክን ምድላይ
ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ራህዋ ማእከል ጥዕና ብምምጻእ ወይ ኣብዘን ዝስዕባ ቁ.ቴ ደዉሉልና!
+256 704 631388 / +256 709 873147 / +256 707 072447
ቦታ ኣገልግሎትና ኣብ ቡንጋ (ቡንጋ ሸል ሓሊፍካ ፊት ሳሳ ኮምፕሌክስ ጎደና king Ceasor Rd.) ኢዩ

Highlights

Address

Ggaba Road
Kampala

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when RAHWA Medical Services ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share